ቶማስ ሳንካራ

18,99 $

ንእማማ ኣፍሪቃ ብርሃን ንኸብሩሁ ዓብይ ተስፋ ተነቢርሎም ዝነበረ ግን ብልጭ ኢሉ ብጸላእቱ ዝቓሃመ ዕንቂ **ጅግና ቶማስ ሳንካራ**!።

0 People watching this product now!
SKU: BK004 Category:
Description
ካብ መጽሓፍ ቶማስ ሰንካራ ዝተወስደ፡-
መሰል ደቂ ኣንስትዮ!
ቍጽረን ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ቡርኪናፋሶ ካብ ኵሉ መኣዝናት እታ ሃገር መጺአን ኣብ ኦጋዱጉ ንዝርከብ ህዝባዊ ኣዳራሽ ኣጨናኒቀንኦ ተራእያ። 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ንምኽባር ምድላዋት ተጻፊፉ ነበረ። ኣብ መደረኽ መደረታት ጭርሖታት መዝሙራት ብሳዕስዒት ተዓጂቦም ኣብቲ ብዓል ተኻየዱ። ብሓጎስ ዝተመልኡሉ ዑዱማት፡ ብወገን መራሕቲ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ሓሓሊፋ ብቛንቋ ፈረንሳ ሓደ ሓደ ግዜ ውን ብሰለስቲኦም ሃገራውያን ቋንቋታት ቡርኪናፋሶ ማለት ሙሬ፡ ጁላን ፋልድፋልድን ይጻወታን ይጭፍራን ነይረን።
ብ1987 ኣብዛ ዕለት መንእሰይ ትንታጉ፡ ኵሉ መዳያዊ ደቂ ኣንስትዮ ሓፍ ክብል ናይ ዝገበረ ፕረዚደንት ቶማስ ሳንካራ መደረ ንምስማዕ ብሃንቀውታ ተጸበዩ። እቲ መደረ ውን ኣየሕፈሮምን። ካብ መጀመርታኡ ዝእትዎም ዝነበሩ ቁልፊ ነገራት ብጉልሕ ኣንጸባረቐ። ብዛዕባ ምውዳብ ደቂ ኣንስትዮ ኣልዒሉ ተዛረበ። ኣሳሪ ዝኾነ ድሑር ባህላዊ ተጽዕኖታት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ክልዓል ከም ዘለዎ ኣተሓሳሰበ። ሰውራ ማሕበራዊ ኣድልዎ ንኸብቅዕን፡ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገጽን፡ እንተዘይጌሩ ግን መሰናኽል ክገጥሞ ከም ዝኽእል ጸቒጡ ተዛረበ። “ሰውራን መሰል ምርግጋጽ ደቂ ኣንስትዮን ተነጻጺሎም ክኸዱ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣይኮኑን። ብዛዕባ ናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ክንዛረብ ከለና፡ ብህያብ ንልግሰለን ወይ ልውሃትና እናወሰኸ ስለ ዝመጽአ ነበርክተለን መና ጌርና ክንሓስቦ የብልናን። እዚ ተፈጥራዊ መሰለን ብምዃኑ ኢና ናጽነት እንህበን። ብዘይ ናጽነት ደቂ ኣንስትዮ ሰውራ ግቡእ ሸቶኡ ክሃርም ኣይክእልን እዩ።”
ንብዙሕ ዘመናት ዝመጽአ ምንእኣስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዛ ሃገር ሱር ሰዲዱ ምህላዉን፡ ሕጂ ፍጹም ክውገድ ከም ዘለዎን ብኣጽንዖት መኸረ። ንሱን መሳርሕቱን ወሲኽካ ኣብ ውሽጢ ስድራቤቶም ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምቕባል ዝኸብዶም ደቂ ተባዕትዮ፡ ካብዚ ሕጂ ንድሓር በዚ ኣረጊት ኣተሓሳስባ፡ ምስ ዘመናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤት ምንባር ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ክዛረብ ከሎ፡ እቲ ኣዳራሽ ብጠቓዒትን ስሓቅን መልአ።
“ደቂ ኣንስትዮ ዓፊንና ክሳብ ምዓስ ክንስጉም ንኽእል፧ ስቕታ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ኣውጺኡ ክውጭጭ ይስመዓኒ! ፈቲና ጸሊእና ፍርቂ ሰማይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ደቂ ኣንስትዮ ብኽልተ ድርብ ጭቆናታት እናተሳቐያ እየን ዝርኸባ። ባዕዳዊ መግዛእታዊ ስርዓት ከም ኵሉ ሕብረተሰብና ክጭኵነን ከሎ፡ ብልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ዝምራሕ ስርዓት ከኣ ተደራቢ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ መከራ ከም ዝስከማ ይገብረን ኣሎ። ጓል ኣንስተይቲ ምጭቋን ድሕረት ምዃኑ ኵልና ክንኣምን ኣለና። ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ይኹን ኣብቲ ኣብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሕቶ እዩ። ፍርቂ ሕብረተሰብ ተዓፊኑ፡ ኣብ ዝሳቐየላ ሃገር ዓይነይ ንዕኡ ንኽርኢ እግረይ ክመርሓኒ ኣይፈቅድን’የ። ኣድልዎ ክተርፍ ዝኽእል ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ መሰል ዘፍቅድ ሓድሽ ሕብረተ ሰብ ክንፈጥር ምስ እንኽእል ጥራይ እዩ። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዋላ ይምረሮም ክውሕጥዎ ዘለዎም ሓቂ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ ሰብ ገይርካ ምርኣይ ናይ ድሕረት ስለዝኾነ፣ እቲ ዘዋጽእ ካብ ኣድልዎ ነጻ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብቝዓት ምግባር ምዃኑ ኣፍለጠ።” ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ምስ ሰምዓ ዓይነን ብናይ ሓጎስ ንብዓት መልአ።
ደቂ ኣንስትዮ ቡርኪናፋሶ ተወዲበን ዝበጽሐን ማሕበራውን ቁጠባውን ተጽዕኖታት ንምቅዋም ዘኽእል ዕድል ተነፊግወን ጸኒሑ እዩ። ኣብ ውሽጢ መንግስትን፡ ፖለቲካዊ መዋቕርን ዝነበረን ተሳትፎ ግዱብ እዩ። ብፍላይ ልምዳዊ ኣነባብራ ናይ ሕብረተሰብ ዝምርሓሉ ሜላታት ደቂ ኣንስትዮ ብድሕሪት ኣቐሚጡ ክጓዓዝ ብዙሕ ዘመናት ኣሕሊፉ እዩ። ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ዕድመ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረሰበን ዝነበረን ቦታ እዚ ዝብሃል ኣይነበረን። ካብ ዝውለዳ ክሳብ ዝሞታ ኵሉ ነገራተን ዝውስኑለን ኣቦታተን ወይ ሰብኡተን፡ ኣቦሓጎታተን ወይ ውን ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ኣዝማደን እዮም። ቶማስ ሳንካራ ሕብረተሰብና ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ድሑር ዝኾነ ናይ ኣነባብራ ሜላ እዩ ዝርከብ ይብል። ስለዚ እዩ ከኣ ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ዓብላሊ ኮይኑ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክምርዖ ዘፍቅድ ባህልና፡ ንጓል ኣንስተይቲ ግን ጉልበታን፡ ቆልዓ ወሊዳ ንምዕባይ ዘለዋ ተፈጥራዊ ኣበርክቶን ካብ ምድላይ ሓሊፍና፡ ዝግብኣ ክብሪ ከምዘይንህባ ጌሩና ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግን እዚ ክቕየር ሰዓቱ እዩ።
ሓድሽ ኣመራርሓ ቡርኪናቤ ጌና ኣብ ምጅማሩ እዩ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ንምርኣይ፡ ካብ ዘሳለጦም ቀንዲ ተግባራት ደቂ ኣንስትዮ ነጻ ምውጽእ ዝብል ኣጀንዳ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ከም ዝርከብ ኣፍለጠ። ኣብ መጀመርታ ዘመነ መንግስቲ ቶማስ ሳንካራ 1983 ዝግበሮ መደረ ዝርዝር ዕላማታት፡ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሱርበተኻዊ ለውጢ ሰራዊት ስዒቡ፡ ብካልኣይ ደረጃ ዝልዓል ምዃኑ ምዝካር ኣድላዪ እዩ። ሳንካራን ብጾቱን ኣብ ዝገብርዎ ተደጋጋሚ መደረታት፡ ነንስቶም ከም ሰኸም ንዝቆጽሩን ዘቃልሉን ፈተውቲ ርእሶም፡ ዓመጸኛታት ሰብኡት ክነቕፉን ክእርሙን ምስማዕ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን።
Shipping & Delivery

MAECENAS IACULIS

Vestibulum curae torquent diam diam commodo parturient penatibus nunc dui adipiscing convallis bulum parturient suspendisse parturient a.Parturient in parturient scelerisque nibh lectus quam a natoque adipiscing a vestibulum hendrerit et pharetra fames nunc natoque dui.

ADIPISCING CONVALLIS BULUM

  • Vestibulum penatibus nunc dui adipiscing convallis bulum parturient suspendisse.
  • Abitur parturient praesent lectus quam a natoque adipiscing a vestibulum hendre.
  • Diam parturient dictumst parturient scelerisque nibh lectus.

Scelerisque adipiscing bibendum sem vestibulum et in a a a purus lectus faucibus lobortis tincidunt purus lectus nisl class eros.Condimentum a et ullamcorper dictumst mus et tristique elementum nam inceptos hac parturient scelerisque vestibulum amet elit ut volutpat.

Vendor Info

Vendor Information

  • Address:
  • No ratings found yet!
More Products

Think and grow rich ሕሰብ`ሞ ክትህብትም

SKU: BK001
23,99 $
ሕሰብ`ሞ ክትህብትም ውጽኢት ናይቲ ሂል ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ባዕሉ ሚልዮነራት ዝገበሩዎ መጽናዕቲ እዩ- እዚ ድማ ንዓሰርተ ሰለስተ ስጉምትታት ናብ ሃብቲ (ፋይናንሳዊ፡ ስምዒታውን መንፈሳውን) ዘጠቓልል ሕጽር ዝበለን ተበጻሒን መግለጺ ናይቲ ሕጊ ዓወት ዝብል ፍልስፍናኡ እዩ።

ዝተቐላጠፈ ሜላታት ዕብየት

SKU: BK002
19,99 $
ደራሲ ብራያን ትረይሲ ትርጒም ፍረወይኒ ጐይትኦም ካብዚ መጽሓፍ ርእሰ-ሓገዝ ኣንበብቲ ንኣእምሮኣዊ ስርሖም ንምምሕያሽን ሓድሽ ሓበሬታ ንዝቐልጠፈን ብውጽኢታውን መንገዲ ንምምሃርን ዝሕግዙ

Curly Bob Lace Wigs

SKU: WGOO2
125,00 $
Short bob wigs is popular among black women in summer affordable price silky and no smells. Bob lace front wigs worth the money minimum shedding true to length and feels amazing

Panton tunior chair

199,00 $
Placerat tempor dolor eu leo ullamcorper et magnis habitant ultrices consectetur arcu nulla mattis fermentum adipiscing a et bibendum sed platea malesuada eget vestibulum.
Select options This product has multiple variants. The options may be chosen on the product page

Henectus tincidunt

429,00 $
Consequat a scelerisque suspendisse vel et eget eu vitae adipiscing nibh scelerisque semper cum adipiscing facilisis adipiscing est accumsan lorem vestibulum. Aliquet mus a aptent ullam corper metus accumsan. Habitasse a purus nec ipsum a urna ac ullamcorper varius metus blandit posuere.